መራሒ ሱዳን፣ ንሓሙሽተ ጀነራላት፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ኣምባሳደር ክኾኑ መዲቡ

Radio Erena: 13 July 2022

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ንሓሙሽተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ኣምባሳደር ክኾኑ ከምዝመደቦም ተፈሊጡ።

እቶም ካብ ሰራዊት ብጥሮታ ተፋንዮም ዘለዉ ሓሙሽተ ጀነራላት፣ ናብ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ቻድ፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ሊብያን ዝተመደቡ ምዃኖም ሱዳን ትሪቡን ንምንጭታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምጥቃስ ኣረጋጊጹ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ምስ ሲቪላዊ ወገን ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ዝርርብ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ክመሓደር ዝብል ነጥቢ’ዩ ዘቕርብ ዘሎ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ወገን ከሰጋግር ምዃኑ መብጽዓታት ይእቱ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ግብሪ ዝሰርሓሉ ዘሎ ፖሊሲን ኣካይዳን ግና ብኣንጻሩ ምዃኑ’ዮም ተዓዘብቲ ዝገልጹ።

ካብ 25 ጥምቅቲ 2021 ኣትሒዙ፣ ንበርጌሳዊ ወገን ምሉእ ብምሉእ ብምእላይ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ክእለን ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረትን ዝጠልብ ህዝባዊ ተቓውሞ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0