ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ብቕትለት ፖላንዳዊ መራሒ መኪና ተቐይዶም

ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ብቕትለት ፖላንዳዊ መራሒ መኪና ተቐይዶም

Radio Erena: 27 June 2017

Calais

ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ብቕትለት ፖላንዳዊ መራሒ መኪና ተቐይዶም።

ማዕከናት ዜና ካብ ዞባ ካሌ ብዘመሓላለፍኦ ጸብጻብ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለኑ ዓሰርተ ዝኾኑ ስደተኛታት፣ መካይን ብናህሪ ናብ ዝሕምበባሉ ኣውራ ጎደና ብምእታው፣ ናይ ጽዕነት መካይን ብምዕጋት ክስቀሉ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፣ ሓንቲ ብፖላንዳዊ እትምራሕ መኪና ምስ ካልእ መኪና ተጋጭያ ብዝተፍጥረ ባርዕ፣ እቲ መራሒ መኪና ክመውት ክኢሉ።

ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝኾኑ ኤርትራውያን ክልተ ኣፍጋኒስታናውያንን ብቕትለት ክኽሰሱ እንከለዉ፣ ምስዚ ብሰሉስ 20 ሰነ ዘጋጠመ ፍጻሜ’ዚ ብዝተሓሓዝ ከኣ ኣርባዕተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያውን ተቐይዶም።

እቶም ናይ ቅትለት ክሲ ተመስሪትሎም ዘሎ ዜጋታት ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለኑ ተራ ስደተኛታት ደኣ’ምበር ኮነ ኢሎም ሰብ ንምቕታል ዝሓለኑ ከምዘይኮኑ ብምርግጋጽ፣ ካብቲ ተመስሪትሎም ዘሎ ናይ ቅትለት ክሲ ክወጹ ብመንገዲ ጠብቕኦም ሓቲቶም ኣለዉ።

ንፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ዘዳውብ፣ ወደብ ካሌን ከባቢኡን፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሕልኑ ስደተኛታት ናብ ገለርያታት ባቡርን ናይ መካይን ኣውራ ጎደናታትን እናኣተዉ ሓያሎ ካብኣቶም ግዳያት ሞት ኮይኖም’ዮም።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0