ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ፣ ቀዳም ኣብ ዝጅምር ቱር ዲ ፍራንስ 2017 ኣይክሳተፉን’ዮም

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ፣ ቀዳም ኣብ ዝጅምር ቱር ዲ ፍራንስ 2017 ኣይክሳተፉን’ዮም

Radio Erena: 26 June 2017

Dimension Dataኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፣ ቀዳም ባሕቲ ሓምለ ኣብ ዝጅምር መበል 104 ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ቱር ዲ ፍራንስ 2017 ኣይክሳተፉን’ዮም።

ብፍላይ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ተሓቑፎም ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብውሕዱ ሓደ ክስለፍ ይኽእል’ዩ ዝብል ትንታነታት ስፖርት እኳ እንተጸንሐ፣ እታ ጋንታ ሎሚ ሰኑይ 26 ሰነ፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ ናይዚ ዓመት’ዚ ንዝወዳደሩ ኣባላታ ብወግዒ ኣብ ዘፍለጠትሉ ግና ዝኾነ ኤርትራውያን ተቀዳዳማይ ኣይረቖሐትን።

ክለብ ዳይመንሽን ዳታ፡ ኣብ 2015 ንዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን፡ ኣብ 2016 ድማ፡ ንዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ኣሰሊፋ ምንባራ ይዝከር።

ዳንኤልን መርሃዊን ኣብ 2015፡ ናይ ፈለማ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ተሳተፍቲ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ዳንኤል ቦኽሪ ንማልያ ኣንበሳ ዓቐብ ክወዲ ዝበቕዐ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ’ዩ።

ክለብ ዳይመንሽን ዳታ፡ ኣብ’ዚ ቀዳም ካብ 1 ክሳብ 23ሓምለ ዝካየድ ቅድድም፡ ንማርክ ካቨንድሽ፡ ስቲቭ ኩሚንግስ፡ ስኮት ትዋይተስ፡ ረይናርድ የንስ ቫን ረዘንበርግ፡ ኤድቫልድ ቦሰን ሃገን፡ ጃኮ ቬንተር፡ ሰርጄ ፖወልስ፡ በርናርድ ኤዘልን ማርክ ረይንሻውን ሒዛቶም ክትቐርብ እያ።

እታ ጋንታ ንዳኒኤል ተኽለሃይማኖን ናትናኤል ብርሃነን ኣብዚ ቅድድም ንኽስለፉ ዘይረቖሓትሉ ምኽንያት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ መበል 100 ዓመት ጂሮ ዲ ኢጣልያ ክሳተፉ ስለዝቐነዩ’ያ።

ካብ መርሃዊን መኽሰብ ደበሳይን ግን፡ ሓዲኦም ኣብ’ዚ ስሙይ ውድድር ንኽቐዳደሙ ብሓያለ ኤርትራውያን ኣፍቐርቲ ቅድድም ብሽክለታ ህንጡይነት ሓዲሩ ኔሩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ሬድዮ ኤረና፣ ብዛዕባ’ዚን ካልእን ዘጠቓል ሰፊሕ መደብ ስፖርት፣ ኣብ ናይ ጽባሕ ሰሉስ 27 ሰነ ፈነወና ተኸታተሉ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0