መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ ኣባይቲ ንምትግባር ይዳሎ

መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ ኣባይቲ ንምትግባር ይዳሎ

Radio Erena: 27 June 2017

Minister of local government

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንመጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኡ።

እቲ መንግስቲ ኣውጺእዎ ዘሎ መጠን ክፍሊት ብዓቐን ስፍሓትን ዝርከበሉ ከባቢታትን ዝምርኮስ’ዩ።

ነዚ ንምስልሳል ከኣ፣ ንዝካረ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኣብ 10 ዞናት ከፋፊልዎም ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ካብ 1 ነሓሰ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ክውዕል’ዩ ዝብሎ ዘሎ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ናይ ብሕቲ ክራይ ኣባይቲ፣ 20 ትርብዒት ሜትሮ ንእትግመት ተራ መንበሪ ገዛ እቲ ዝኸበረ መጠን ክራይ 600 ናቕፋ’ዩ።

ተኻረይቲ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ተሰሊዑሎም ዘሎ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ከም ካንሸሎ ንዝኣመሰለ ብሓባር ዝጥቀምሉ ክፉት መሬት ፣ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ ብሕሳብ 50 ሳንቲም ክኸፍሉ’ዮም።

ነዚ ብደረጃ ሃገር ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሓድሽ መምርሒ ዝጥሕስ ኣካራዩ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ እቲ መንግስቲ የጠንቕቕ።

ኩሉ’ቲ ናይ ክራይ ውዕላት ብመንገዲ ምምሕዳራት ክሰላሰል ምዃኑ እቲ መንግስቲ’ኳ ሓቢሩ እንተሎ፣ ኣብ ትግባሪኡ ግና ህዝቢ እምነት ኣጉዲሉ ከምዘሎ ካብ ኣስመራ ዝተወከስናዮ ሓደ ሓድ ወገናት የረድኡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ቅድሚ ሕጂ’ውን ንዞባ ማእከል ጥራይ ዝምልከት ተመሳሳሊ መምርሒ ኣውጺኡ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘይክኣለ ይዝከር።

ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዕጽፍታት እናነሃረ ክመጽእ ዝጸንሐ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ሓደ ካብቲ ዝኸበደ ብድሆታት ማሕበረ ቁጠባዊ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ኮይኑ ዘሎ።

መብዛሕትኡ ‘ቲ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ፣ ልዕሊ 300 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቱ ንኽራይ ገዛ ከምዝኸፍሎ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0