ክልል ኣምሓራ፣ ንኣዋጅ ምፍታሕ ዕጥቒ ፍሉይ ሓይሊ ብምቅዋም፣ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዘራኽብ መንገዲ ተዓጽዩ

Radio Erena: 10 April 2023

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኣብ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ንዘሕለፎ ኣዋጅ ምፍታሕ ዕጥቒ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ብምቅዋም፣ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዘራኽብ መንገዲ ከምዝተዓጽወ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ኣዋጅ ብወግዒ ምስ ተሓበረ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ዝጠቐሳ እተን መርበባት፣ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ጎጃም ኣብ እትርከብ ከተማ ደጀን፣ ህዝቢን ዕጡቓትን ኣውራ መንገዲ ብምዕጋት፣ ካብን ናብን ኣዲስ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዘራኽብ መስመር ከምዝዓጸዉ ኣረጋጊጸን።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብታ ከተማ ካብ ቀዳም 08 ሚያዝያ፣ ሰዓታት ናይ ምሸት ኣትሒዙ፣ ድኳናትን ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ተዓጽዩ ይርከብ።

ኣብ ካልእ ክፋል ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ክልል ኣምሓራ’ውን ንምፍታሕ ዕጥቂ ዝቃወም ውዱብ ምንቅስቓሳት ይረአ ምህላዉ ይጥቀስ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኩለን ክልላት ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታትን ዞባዊ ምልሻታትን፣ ብፈደራላዊ ሰራዊት ክትክኡ ውሳኔ ከምዘሕለፈ ይፍለጥ።

ብመሰረት እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ክጽናዕ ጸኒሑ ዝተባህለ ውሳኔ፣ እቶም ዕጡቓትን ዞባዊ ምልሻታታን፣ ናብ ምዱብ ፈደራላዊ ሰራዊት ወይ ፈደራል ክጽምበሩ፣ ናብ ነናይ ክልሎም ሓይልታት ፖሊስ ክጥርነፉ፣ ዕጥቖም ኣረኪቦም ናብ ሲቪላዊ ህይወቶም ክምለሱ ዝብል ኣማራጺታት እዩ ተዋሂቡዎም።

እንተኾነ፣ ምስ ክልላት ትግራይን ኦሮሞን ኣብ ምትፍናን ዝርከቡ ዕጡቓት ኣምሓራ፣ እቲ ኣዋጅ ብፍላይ ንዓኣቶም ዒላማ ዝገበረን፣ ከም ህወሓትን ኦነግን ዝኣመሰሉ መተሃላልኽቶም ጸብለል ዘብልን ዘተባብዕን’ዩ ብምባል ይቃወምዎ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ መንግስቲ ንሓድነት ኢትዮጵያ ወሳኒ’ዩ ኣብ ልዕሊ ዝበሎ ኣዋጅ ዝጻረር ዝኾነ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ብሰንበት 09 ሚያዝያ ኣጠንቂቑ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0