‘ኬንያ፣ ክሊ ኣየርና ብምጥሓስ ናይ ነፈርቲ ደብዳን ኣካይዳ፣’ ክብል መንግስቲ ሶማል ከሲሱ

Radio Erena: 07 June 2021

ነፈርቲ ኵናት ኬንያ፣ ክሊ ኣየር ሶማል ብምጥሓስ ደብዳን ኣካይደን ክብል መንግስቲ ሶማል ከሲሱ።

ሶማል ብዘቕረበቶ ክሲ መሰረት፣ ኣብ ዞባ ጌዶ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ኣብ ዝርከባ ኤል ዓደን ሒሳ ኡጉርን ዝተባህላ ዓድታት፣ ብ3 ሰነ ተኻይዱ ዝተባህለ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም።

ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሶማል ተጻብኦታት ከተካይድ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን ዝበለ ሚኒስሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፣ እቲ ጉዳይ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘቕርቦ ኣፍሊጡ።

ኬንያ ብዛዕባ’ዚ ብወገን ሶማል ዝቐረብ ዘሎ ወቐሳ ዝሃበቶ ወግዓዊ መልሲ የለን።

መንግስቲ ሶማል ነዚ ክሲ ዘቕርብ ዘሎ፣ ንግስነት ቀጠር ንክልቲኦም ወገናት ንምቅርራብ ድሕሪ ዝወሰደቶ ተበግሶ፣ ዝምድንአን ናብ ንቡር ንምምላስ ተኽእሎ ከምዘሎ ክግለጽ ድሕሪ ምቕናዩ’ዩ።

ብዛዕባ’ቲ ምስ ሶማል ዘለዋ ምስሕሓብን ወጥርን ይኹን ብመንጎኝነት ቀጠር ዝተወስደ ናይ ሽምግልና ተበግሶ መግለጺታት ክትህበሉ ዘይጸንሐት ኬንያ፣ ካብ 11 ግንቦት ኣትሒዛ፣ ናብ ሶማል ዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ከተብሎ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ’ያ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0