ወደብ ጂቡቲ፣ ኣብ ምርጋፍን ምጽዓንን ኮንተይነር ብዝህቦ ስሉጥ ኣገልግሎት ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ

Radio Erena: 07 June 2021

ወደብ ጂቡቲ፣ ኣብ ምርጋፍን ምጽዓንን ኮንተይነር ብዝህቦ ስሉጥ ኣገልግሎት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሕዝ፣ ባንክ ዓለም ምስ መሻርኽቱ ኣብ ዘዳለዎ ዓመታዊ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣብዚ 10 ዓመታት፣ ኣስታት ካብ ቻይና፣ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣመሪካን ካልኦትን ናይ ልዕሊ 4 ቢልዮን ወፍሪ ዝተኻየደላ ጂቡቲ፣ ብናይ ወደብ ኣገልግሎት፣ ናይ ኣፍሪቃ ሲንጋፖር ንምግባራ ሕልሚ ከምዘሎ፣ ንኣካያዲ ስራሕ ወሃቢ ኣገልግሎታት ተርሚናል ኮንተይነር፣ ዓብዱላሂ ዓዳወ ሲጋድ ብምጥቃስ ፋይናንሻል ታይምስ ሓቢሩ።

ጂቡቲ፣ ዝበዝሐ እትህቦ ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ናብታ 110 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ከምዘለዋ እትግለጽ ኢትዮጵያ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ትርከብ ምስ ምዃናን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ዝሓሸ ጸጥታዊ ርግኣትን ንወፍሪ ዝዕድም ፖሊስን ዘለዋ ምስ ምዃና፣ ኣህጉራዊ ወፍርታት ናይ ምዕባይ ተኽእሎ’ውን ኣለዋ።

እዛ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር ጂቡቲ፣ ብዘይካ’ቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሐ ወደብ ጂቡቲ፣ ከም ዶራላ ዝኣመሰለ ኣብ ምርጋፍን ምጽዓንን ኮንተይነር ዘተኮረ ተወሳኺ ወደብ ሃኒጻ’ያ።

ኣብታ ሃገር ብዘሎ ሽዱሽተ ተርሚናላት፣ ዓመታዊ ብውሕዱ 1 ሚልዮን ኮንተይነራት ይራገፍን ይጸዓንን።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እታ ሃገር ኣብ ምርጋፍ ነዳዲ ዘተኮረ፣ ናብ ኢትዮጵያ ሻምብቖታት ዝተዘርግሖ ናይ ፈሳዊ ወደብ’ውን ኣብ ምህናጽ’ያ ትርከብ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0