ካናዳ፣ መእተዊ ቪዛ ንዝሓቱ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ

መንግስቲ ካናዳ፣ ናብታ ሃገር መእተዊ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ኤርትራ ናይ እትርከበን 29 ሃገራት፣ ዝተፈልየ መስርሕ ክኽተል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
    እቲ ካብ ሓድሽ ዓመት 2013 ዝጅምር መስርሕ ብዝኾነ ምኽንያት ናብ ካናዳ ንምእታው ቪዛ ዝሓቱ ዜጋታት እዘን ኤርትራ እትርከበን ሃገራት፣ ኣቐዲሞም ናይ ኣጻብዕ ስእሊ ማለት ዓሸራን ካልእ ዝተዳቐቐ ሓበሬታ ክህቡን ክግደዱ’ዮም።

    ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ናብ ካናዳ ንምእታዊ ቪዛ ዝሓትት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እዘን ሃገራት ኣብ ልዕሊ’ቲ ንቪዛ ዝኸፍሎ ገንዘብ፣ ነዚ ናይ ኣጻብዕ ስእልን ካልእ ባዮሜትሪካዊ ሓበሬታ ንምእካብን ዘገልግል ተወሳኺ 85 ዶላር ክኸፍል’ዩ።
    እዚ መንግስቲ ካናዳ ካብ ሓደ ጥሪ 2013 ዘተኣታትዎ ዘሎ ሓድሽ መስርሕ፣ ትሕቲ 14 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑን 79 ዓመት ንዝዕድሚኦም ኣረጋውያንን ከምዘይምልከት ተነጺሩ ኣሎ።
    ብወግዓዊ ናይ ስራሕ ምኽንያት ናብ ካናዳ ንዝገሹ ዲፕሎማሰኛታት እዘን 29 ሃገራት’ውን ካብዚ ሓድሽ መስርሕ ናጻ’ዮም።
    በዚ ሓድሽ ናይ ካናዳ ኣገባብ መሕተቲ ቪዛ ዝጽለዋ 29 ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያ፣ የመንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ይርከብአን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0