ኣብ ካርቱም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻየዱ

ኣብ ካርቱም ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻየዱ።
እቲ ብሰንበት ኣብ ዓበይቲ ጎደናታት ካርቱም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባዕተ ተማሃሮ ድሕሪ ምቕታሎም’ዩ ተወሊዑ።

    ‘ምቕታል ተማሃሮ ምብራስ ሃገር’ዩ’ ዝብል ጭርሖታት ዘልዓሉ እቶም ሰልፈኛታት፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክወርድ’ውን ጸዊዖም።
ፖሊስ ነቶም ሰለፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ናይ ፕላስቲክ ጠያይትን እኳ እንተተኮሱ፣ እቲ ብሰለማዊ ዝተበገሰ ሰልፊ ናብ ናዕብን ዕግርግርን ከምዝዓረገ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።
    እቲ ናዕብን ዕግርግርን ሎሚ’ውን ኣብ ሓደ ሓደ ክፋል እታ ከተማን ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ካርቱምን ብመጠኑ ቀጺሉ ውዒሉ።
    ዝሓለፈ ሰሙን ተቓውሞ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዳርፉር ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ከምዝተቀትሉ እቶም ሰልፈኛታት ይወቕሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0