ካብ 215 ሃገራት፣ ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ጥራይ ክታበት ጸረ ኮቪድ ከምዘይጀመራ ተገሊጹ

Radio Erena: 23 June 2021

ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት፣ ክሳብ እዋን’ዚ ክታበት ጸረ ኮቪድ ከምዘይጀመራ ተገሊጹ።

ኣብ ዝበዝሓ፣ ብመዳይ ሕክምና ዝማዕበላ ሃገራት፣ ብማእከላይ ገምጋም፣ ኣስታት ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝበን ጸረ ኮረና ክኽተብ እንከሎ፣ ብፍቓዱ ክኽተብ ንዝደሊ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንዝዕድሚኡ ዝኾነ ዜጋ ድማ ማዕጾታትን ከፊተን ኣብ ምጽባይ ይርከባ።

እስራኤል፣ ካናዳ፣ ብሪጣንያ፣ ቺለን ኣመሪካን ልዕሊ 51% ካብ ህዝበን ናይ ቀዳማይ እብረ ተኸቲቡ’ዩ።

ኣብ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ፈረንሳን ስፔይንን ድማ፣ ብውሕዱ ቀዳማይ እብረ ናይ ዝተኸትቡ ብዝሒ ሰባት ኣስታት 40% ይበጽሕ።

ዛጊት ኣብ 215 ሃገራት ብድምር ልዕሊ 2.1 ቢልዮን ክታበታት ጸረ ኮረና ቫይረስ ተዋሂቡ ኣሎ።

ዝበዝሐ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ዘሎ ክታበታት፣ ኣስትራዘነካ ኣብ 170 ሃገራት፣ ፋይዘር ኣብ 97 ሃገራት፣ ሞደርና ኣብ ልዕሊ 46 ሃገራት፣ ሲኖፋርም ኣብ 45 ሃገራት፣ ስፑትኒክ ኣብ 40 ሃገራት፣ ጀንሰን ኤንድ ጀንሰን ድማ ኣብ 29 ሃገራት’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ዝርግሐ እዚ ክታበታት፣ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ሃገራት ገዚፍ ፍልል’ዩ ዘሎ።

ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ን100 ሰባት 87 ዶዝ ክታበት ክቕረብ እንከሎ፣ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ን100 ሰባት 2.5 ዶዝ ክታበት ጥራይ’ዩ ተቐሪቡ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ ብመዳይ ክታበት ድሕሪት ተሪፈን ኣለዋ ዝብሃላ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዛጊት ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ክረክብ ናይ ዝኸኣለ ብዝሒ ህዝበን ብማእከላይ ገምጋም እቲ 0.3% ጥራይ’ዩ።

ካብ 215 ሃገራት፣ ፈጺመን ክታበት ጸረ ኮቪድ ዘይጀመራ ሽዱሽተ ሃገራት ድማ፣ ኤርትራ፣ ብሩንዲ፣ ቻድ፣ ታንዛንያ፣ ሄይቲን ሰሜን ኮርያን’የን።

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ክታበት ክሽምታ ናብ ዘይክኣላ ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦት ድኻታት ሃገራትን፣ ብሓገዝ ንምብጻሕ፣ ካብ መሻርኽቲ ሃገራት ገዚፍ ምወላ ይሓትት እኳ እንተሎ፣ ኤርትራ እትርከበን ሒደት ሃገራት ግና ኣብቲ ብ’ኮቫክስ’ ዝፍለጥ ናይ ሓገዝ መደብ ንምእታው ዛሕልታት ከምዘርኣያ’ዩ ክጥቐስ ጸኒሑ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0