ኣብ ትግራይ፣ ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ብዘካየድኦ ደብዳብ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 23 June 2021

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ፣ ኵናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ብዘካየድኦ ደብዳብ፣ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣሶሸትድ ፕረስ ገሊጹ።

ብፍላይ ቶጎጓ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት፣ ብሰሉስ 22 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፍልጠ ሰባት ሞይቶምን ቆሲሎምን ከምዘለዉ፣ ንሓካይም ብምጥቃስ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

እቲ ደብዳብ፣ ኣብታ 25 ኪሎሜተር ንምዕራብ ካብ ከተማ መቐለ ርሒቓ እትርከብ ቁሸት፣ ኣብ ማእከል ዕዳጋ’ዩ ተኻይዱ ዝበሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣመልኪቶም።

ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ደብዳብ ዘካይዳ ዘለዋ፣ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ መጥቃዕታት ብምክያድ ኣሽሓት ከምዝቐተሉን ኣማኢት ድማ ከምዝማረኹን ኣብ ዝገጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፣ ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ዝማረኽዎም ኣማኢት ወትሃደራት ኢትዮጵያ ብቪድዮ ከቕርብ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነቲ ፍጻሜ ሓሶት’ዩ ክብል ነጺግዎ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ሰራዊት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር የጥቅዑ ከምዘለዉ ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ምንጭታት፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ድማ ከቢድ ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽሙ ምህላዎም ይኸሱ።

ናብ ህዝቡ ረዲኤት ከይኣቱ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከልኪሎም ከምዘለዉ’ውን ሕቡራት ሃገራት፣ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ይወቕሱ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0