ኤርትራ፣ መምርሒታት ምግታእ ኮረና ቫይረስ ዘይሓለዋ ዝተባህላ ሓያሎ ትካላት ዳግማይ ይዕጸዋ

Radio Erena: 22 June 2021

ኣብ ኤርትራ፣ መምርሒታት ምግታእ ኮረና ቫይረስ ኣይሓለዋን ዝተባህላ ሓያሎ ትካላት ዳግማይ ይዕጸዋ ከምዘለዋ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እተን ተዓጽየን ዘለዋ ትካላት መብዛሕተን፣- ኣብየተ ሻሂ፣ ኢንተርነት ካፈታትን መሸጣ ክዳውንትን ዘጠቓለላ’የን።

ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ጽኑዕ ዕጽዋ ዝጸንሐት ኤርትራ፣ ቀስ ብቐስ ከተፋዅሶ ጀሚራ እኳ እንተላ፣ ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ይብእስ ስለዘሎ፣ ናብ ዳግማይ ዕጽዋ ክትኣቱ ከምእትኽእል እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣገንዚቦም።

“ብፍላይ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያን ዕዳጋታትን፣ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ዝወጸ መምርሒታት ክትግበር ኣይርአን’ዩ ዘሎ” ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ዳግማይ ወይ ድማ ከፊላዊ ዕጽዋ ንምእዋጅ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፍቓድ ይሓትት ከምዘሎ ኣተንቢሆም።

ኣብ ኤርትራ፣ ክሳብ 20 ሰነ ኣብ ዝነበረት ዕለት፣ 5,362 ሰባት ብኮረና ቫይረስ ከምዝተለኽፉን ሞት ናይ 19 ሰባት ድማ ከምዝመዝገበን ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 500 ካብቶም ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፉ፣ ኣብ ሆስፒታል ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።

=================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0