ሕ/ኢ/ዓረብ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ነዳዲ ሻምብቆ ንምዝርጋሕ ውጥን ተዳሉ

ሕ/ኢ/ዓረብ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ነዳዲ ሻምብቆ ንምዝርጋሕ ውጥን ተዳሉ

Radio Erena: 10 August 2018

Assab

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ ወደብ ዓሰብ ተበጊሱ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ናይ ነዳዲ ሻምብቖታት ንምዝርጋሕ  መዲባ ከምዘላ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።

እተን ማዕከናት ዜና ነዚ ዝሕብራ ዘለዋ፣ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሪም ኣል ሓሽሚ፣ ሎሚ 10 ነሓሰ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ዝኸተመቶ ስምምዕ’ዩ።

ኣብዚ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ዝርርጋሕ ናይ ነዳዲ ሻምብቖታት፣ ኣውፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ከውፍርሉ ትጽቢት ኣሎ።

ይኹን’ምበር ዝጅመረሉን ዝዛዘመሉን ናይ ግዜ መቓን ኣይተሓበረን።

ወደባት ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ንኢትዮጵያ ኣገክልግሎት ክህብ ምቕርራባት ይግበር ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅድሚ ምእዋጁ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኢትዮጵያ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትገብር ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ልኡኻት ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሑ ዘለዉ፣ ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወሪ ርክብ ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓድል ኣል ዙቤር ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታው፣ ንዕኡ ተኸቲሎም’ዮም።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽዑቕ ምንቅስቓሳት የካይዳ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0