ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት መርመራ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ

ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት መርመራ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 12 August 2018

yemen victብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ተመሃሮን ህጻናትን፣ መርመራ ክግበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

ኣብቲ ብሓሙስ 9 ነሓሰ ኣብ ዳህያን ዝተባህለ ከባቢ ዕሙር ዕዳጋ፣ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፣ 43 ዝበዝሑ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ተመሃሮ ክሞቱ እንከለዉ፣ 64 ከኣ ከምዝቖሰሉ ሺን ሁዋ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ይገልጽ።

እቲ ፍጻሜ ኣቓልቦ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒቡሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፣ ‘ግቡእ ወተሃደራዊ ስጉምቲ’ ክብል ገሊጹዎ እኳ እንተነበረ፣ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግና፣ ነቲ ፍጻሜ መርመራ ክግበረሉ ብሕቡራት ሃገራት ንዝወጸ መጸዋዕታ ምቕባሉ ገሊጹ።

ብካልእ ወገን፣ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ዓስኪሮሞም ዝጸንሑ 86 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናጻ ከምዘውጸአ ገሊጹ።

እቶም ህጻናት ካብ ውትህድርና ዓለም ወጺኦም ምስ ቤተሰቦም ክጽምበሩ፣ ከምኡ’ውን ናይ መጣየሲን እግሪ መትከሊን ስልጠናታትን ትምህርትን ክወሃቦም ምዃኑ፣ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ትማሊ 11 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ሚኒስተር ሰብኣዊ መሰላት የመን መሓመድ ኣስካር ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ልዕሊ 15 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ ውትህድርና ዓስኪሮም ብዘይ ብቑዕ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ኲናት የሰልፍዎም ኣለዉ ክብል ምኽሳሱ ይዝከር።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0