ኤውሮጳ፣ ዑቕባ ካብ ዝተዋህቡ ስደተኛታት፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ

ኤውሮጳ፣ ዑቕባ ካብ ዝተዋህቡ ስደተኛታት፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ

Radio Erena: 10 August 2018

Migrants in Europe

ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዑቕባ ካብ ዝተዋህቡ ስደተኛታት፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምዝተሰርዐ ቤት ጽሕፈት ድጋፍ ስደተኛታት ኤውሮጳ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ናይ ዝሓተቱ ብዝሒ ስደተኛታት 301, 390 ምዃኑ ብምምልካት፣ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ15% ከምዝጎደለ ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብግሪኽ፣ ኢጣልያ፣ ስጳኛን ኣቢሎም ዝኣተዉ፣ ልዕሊ 51 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ዝጠቐሰ እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ብብዝሒ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዑ ዜጋታት ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ዒራቕ፣ ፓኪስታንን ናይጀርያን ምዃኖም ኣስሚርሉ።

 ብባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣተዉ ኣስታት 14 ሽሕ ስደተኛታት እቶም 24% ሱዳናውያን ክኾኑ እንከለዉ እቶም 11% ከኣ ኤርትራውያን’ዮም።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ልዕሊ 300 ሽሕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ን86% ዜጋታት ሶርያ ዑቕባ ክወሃቦም እንከሎ፣ ን83% ዜጋታት ኤርትራ ከኣ ብተመሳሳሊ ዑቕባ ረኺቦም።

ቤት ጽሕፈት ድጋፍ ስደተኛታት ኤውሮጳ ኣብ ጸብጻቡ ብተወሳኺ፣ ኣብዘን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት፣ እቶም 2.5% ብዘይኣላዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምዃኖም ኣገንዚቡ።

ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ መእለይን ግዝያኣኢ መዕቖቢታትን ተመዝጊቦም ካብ ዘለዉ፣ ብዘይኣለዩ ዝመጹ ቆልዑ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ፓኪስታን፣ ጋምብያን ቬትናሚን ምዃኖም እቲ ጸብጻብ የዘኻኽር።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0