ካብ ካርቱም ሃዲሞም ናብ ጁባ ዝተበገሱ 10ታት ኤርትራውያን ደሃዮም ጠፊኡ

Radio Erena: 27 April 2023

ኣብ ሱዳን፣ ብፍላይ ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሃዲሞም ናብ ጁባ ዝተበገሱ 10ታት ኤርትራውያን ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ፣ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ካብ ገዳርፍ ሓቢሮም።

ካብ ካርቱም ዝሃድሙ ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ውሑስ ‘ዩ ናብ ዝበልዎ ዞባታት ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምዝተበገሱ ኣረዲኦም።

ናብ ደቡብ ሱዳን፣ ከተማ ጁባ ዝተበገሱ ኤርትራውያን’ውን ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም።

እንተኾነ፣ ናይ 10ታት ካብኣቶም ደሃይ ጠፊኡ ምህላዉ፣ ብቀረባ ንዝፈልጥዎም ሰባት ብምጥቃስ ራድዮ ኤረና ዘዘራረበቶም ወገናት ኣረጋጊጾም።

‘ከምዝተበገሱ ደኣ’ምበር ኣበይ ከምዝበጽሑ ወይ እንታይ ከምዘጓነፎም ክሳብ ሕጂ ሓበሬታ የብልናን’ ክብሉ እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ንምብራቕ ሱዳን፣ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ብወገኖም፣ መብዛሕቶም ኣብ ገዳርፍን ከሰላን ይተኣኻኸቡ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ብመሰረት እቶም ራድዮ ኤረና ብቴሌፎን ዘዘራረበቶም ምንጭታት፣ ከሰላ ብዜጋታት ኤርትራ ኣዕለቕሊቓ’ያ ትርከብ።

ሰራዊት ሱዳን ግፋ ብምክያድ ናብ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ክእክቦም ከምዝኽእል ‘ውን ይውረ ኣሎ።

እቲ ሰራዊት፣ ቅድሚ ሳልስቲ፣ ኤርትራውያን ጽዒነን ካብ ካርቱም ናብ ከሰላ ካብ ዝተበገሰ ሸውዓተ ኣቶቡሳት፣ ነቶም ኣብተን ክልተ ዝነበሩ ናብ ኤርትራ ከምዘረከቦም ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ክፍሊ ኢምግሬሽን ኤርትራ፣ ክልተ ካብ ሚእቲ ንዝኸፈሉን ናይ ጣቕሳ ንዝመልኡን ወይ ድማ ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ንዝጸንሖምን፣ ኣብ ዶብ ይቕበሎም ምህላዉ ሓቢሮም።

ካብቲ ኵናት ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ዝተበገሱ ኣማኢት ኤርትራውያን ከኣ፣ ኣብ ዶብ ኣብ እትርከብ ከተማ መተማ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓጊቱ፣ ‘ብዛዕባኹም ዝኾነ ሓበሬታ ኣይመጽኣናን ብዝብል’ ብፍሉይ ንበይኖም ኣብ ግዝያዊ መዓስከር ይሕዞም ብምህላዉ ዘሻቕል ምዃኑ እቶም ምንጪታት ጠቒሶም።

ዛጊት ንጹር ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፣ ኣብ ከባቢ ጎንደር ናብ ዝርከብ መዓስከር ዳባት ከየሰጋግርዎም ሰጊኦም ምህላዎም ኣመልኪቶም።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0