ካብ ሞቛድሾ ናብ ጅቡቲ ተመርሕ ዝነበረት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፣ ኣብ ውሽጣ ብዘጋጠመ ነትጕ ብሃንደበት ዓሊባ

ካብ ሞቛድሾ ናብ ጅቡቲ ተመርሕ ዝነበረት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፣ ኣብ ውሽጣ ብዘጋጠመ ነትጕ ብሃንደበት ዓሊባ

Radio Erena: 03 February 2016

Daa

ካብ ሶማልያ ናብ ጅቡቲ እትበርር ዝነበረት ናይ መጓዓዝያነፋሪት፣ ኣብ ውሽጣ ብዘጋጠመ ነትጕ ብሃንደበት ክትዓልብ ተገዲዳ።

እታ ብዳሎ ዝፍለጥ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ሶማል እትውነን ናይ መጓዓዝ ነፋሪት፣ ትማሊ ሰሉስ 2 ለካቲት ብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ካብ ከተማ ሞቛድሾ ድሕሪ ምብራራ፣ ብዙሕ ከይተጓዕዘት’ዩ ኣብ ውሽጣ ነትጕ ኣጋጢሙ።

ብኡ ንብኡ ድማ ጉዕዞኣ ብምስራዝ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ተመሊሳ ብህጹጽ ዓሊባ።

 

ጠንቒ’ቲ ነትጕ ኣብ ትሕቲ ሓደ ካብ መናብር ናይታ ነፋሪት ዝተጻወደ ቦምብ ምዃኑ እኳ እንተተገልጸ፣ ገና ምጽራይ ይካየደሉ ምህላዉ ሰበ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ይጠቕሱ።

ኣብ ሰለስተ ሰባት ፈኵስ መጉዳእቲ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ተሳተፍሪ ይኹን ሰራሕተኛታት እታ መንገዲ ኣየር ዝወረደ ከቢድ ሓደጋ ከምዘየለ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብታ ነፋሪት ካብ ዝነበሩ 74 ተጓዓዝቲ እቶም 70 ዜጋታት ቱርኪ ምዃኖም ጸብጻባት መንገዲ ኣየር ዳሎ የመልክት።

ካብን ናብ ሶማል ዝካየድ ኣህጉራዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ካብ 1991 ኣትሒዙ ደው ኢሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ‘ዳሎ’ ዝተብሃለ ናይ ብሕቲ ኩባንያ ከኣ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ንምምላእ፣ ካብ ሞቛድሾ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣገልግሎት ክህብ ጸኒሑ’ዩ።

መንገዲ ኣየር ቱርኪ’ውን ናብ ሞቛድሾ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ጀሚሩ እኳ እንተነበረ፣ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ ድሕሪ ዘካየዶ ፈተነ መጥቃዕቲ፣ እቲ መንገዲ ኣየር ኣገልግሎቱ ናብ ሶማል ኣብ ታሕሳስ 2015 ከምዝሰረዘ ይዝከር።

እዚ ኣብ መንገዲ ኣየር ዘጋጠመ ነትጕ’ውን ኣልሸባብ ዘጻወዶ ቦምብ ክኸውን ከምዝኽእል ሓያሎ ወገናት ሶማል ትንታነታቶም ይህቡ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0