ካብን ናብን ኤውሮጳን ሶማልን ንፈለማ እዋኑ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራ ጀሚሩ

ካብን ናብን ኤውሮጳን ሶማልን ንፈለማ እዋኑ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራ ጀሚሩ

Radio Erena: 24, June, 2014

sk

ስካይ ግሪኽ ብዝተባህለ መንገዲ ኣየር ዝውነን ፍላይ ኦሎምፒክ ብሰንበት ኣብ ዝጀመሮ ቀጥታዊ በረራ 200 ሰባት ብዝጸዓነት ቦይንግ ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም ተበጊሳ ብመንገዲ ግሪኽ ኣቢላ ናብ ከተማ ሞቛድሾ ብሰላም በጺሓ።

እታ መንገዲ ኣየር ካብን ናብን ለንደን ሞቛድሾ’ውን ናይ መጓዓዝያ በረራ ክጅምር ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

መንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ፣ ብዘይካ ናብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ ናብ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ’ውን ተመሳሳሊ ናይ መጓዓዝያ በረራ ምጅማሩ ዝፍለጥ’ዩ።

 

እቲ መንገዲ ኣየር ናብተን ካብ ኣህጉራዊ በረራታት ብፍላይ ድማ ካብን ናብን ኤውሮጳ ዝካየድ በረራታት ተነጺለን ዝርከባ ኣስመራን ሞቛድሾን ሰሙናዊ ሓንሳብ በረራ ምጅማሩ፣ ንተጓዓዝቲ ትንፋስ ዝህብ’ዩ።

ናብ ሶማል ፈላሚ ኣህጉራዊ በረራ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ክኸውን እንከሎ፣ ካብን ናብን ኤውሮጳ በረራ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ድማ ፍላይ ኦሎምፒክ ኮይኑ ኣሎ።

መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ኣብዚ ቀረባ’ውን ካብን ናብን ናብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ኣህጉራዊ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እንተኾነ እዚ ብፍላይ ኦሎምፒክን መንገዲ ኣየር ቱርክን ጀሚሩ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ብምኽንያት ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ዋሕዚ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክህሉ ይክእል’ዩ ካብ ዝብል ትጽቢት ብምዃኑ፣ ድሕሪ እዚ ናይ ክረምቲ እዋን ምሕላፉ፣ ቀጻልነት እዚ መንገዲ ኣየር ኣጣራጣሪ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0