ካርቱም፣ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ባኒ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይካየድ

ካርቱም፣ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ባኒ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይካየድ

Radio Erena: 17 January 2018

Khartoum

ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ባኒ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሱዳን ዝተጎሃሃረ ተቓውሞ ናብ ከተማ ካርቱም ልሒሙ።

ፖሊስ ሱዳን ነቲ ብሰሉስ 16 ጥሪ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ናይ ሓሶት ጠያይትን ከምዝተኮሱ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ቅልውላው ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ነዳዲ፣ ፊኖን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምእላዩ፣ ዋጋ ባኒ ካብ ዝነበሮ ብዕጽፊ ዛይዱ ይርከብ።

ንፍርቂ ኩንታል ፊኖ፣ 167 ፓውንድ ሱዳን ዝነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰለስተ ዕጽፊ ዛይዱ 450 ፓውንድ ወይ 25 ዶላር በጺሑ ኣሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0