ግብጺ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ኵናት ከምዘይትኣቱ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ገሊጹ

ግብጺ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ኵናት ከምዘይትኣቱ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ገሊጹ

Radio Erena: 17 January 2018

Sisi

ግብጺ ምስ ሱዳንን ኢትቶጵያን ኵናት ከምዘይተካይድ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብሰኑይ 15 ጥሪ ብቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ንሱ፣ ግብጺ ምስዘን ሃገራት ኣብ ኵናት ክትጽመድ ከምዘይኮነት ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝኾነት ሃገር ከምዘይትኣቱን ውዲታት ከምዘይትኣልን ጠቒሱ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዘሎ፣ ብጉዳይ ዶብ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ሱዳን ካብ ግብጺ ስግኣት ከምዘለዋ ብምግላጽ ሰራዊታ ኣብ ምንቕስቓስ ኣብ እትርከበሉ እዋን’ዩ።

ሱዳን ምስዚ ብዝተሓሓዝ ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ብምዕጻው ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምምኽኻር ክትኣቱ እንከላ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ብወገኑ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ካይሮ ዓዲሙ ከምዘዘራረቦ ይፍለጥ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0