ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ ክበጽሕ’ዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 17 January 2018

Hailemariam

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ንግብጽን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም ዝህልዎ ጽልዋን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ንምዝርራብ ናብ ካይሮ ከምርሕ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጸ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ግብጺ ከምርሕ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሓደ ሰሙን ድሕሪ’ቲ ድሕሪ’ቲ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብታ ሃገር ዘካየዶ ዑደት’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ግብጺ ብምብጻሕ ንባይቶ ግብጺ መብርሂ ክህብ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ክደናጎ’ዩ ጸኒሑ።

ባይቶ ግብጺ ብዛዕባ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ መፋቕር ወርሒ ታሕሳስ 2017 ኣብ ዝሃቦ ድምጺ፣ ነቲ ዑደትን መብርሂ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ባይቶን ብዓብላሊ ድምጺ ደጊፉ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ግብጺ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ንባይቶ እታ ሃገር ግብጺ መብርሂ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

ግብጽን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ኣብ ዝሰሓሓባሉ ዘለዋ እዋን፣ ጎኑ ጎኑ ድማ ግብጽን ሱዳንን ብጉዳይ ዶባ ምውጣጠን፣ ንጸጥታ እቲ ዞባ ኣብ ወጥሪ የእትዎ ይርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0