ኩዌት፣ ንፕረዚደንት ኣል ሲሲ ዝተቓወሙ ሰለስተ ግብጻውያን ናብ መንግስቲ ግብጺ ኣረኪባ

Radio Erena: 13 ጥቅምቲ 2020

ንግስነት ኩዌት፣ ንፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ዝተቓወሙ ሰለድተ ግብጻውያን፣ ናብ መንግስቲ ግብጺ ከምዘረከበቶም ምንጭታት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

እቶም ግብጻውያን፣ ዝሓለፈ ቅንያት ኣንጻር ፕረዚደንት ሲሲ ንዝተኻየደ ተቓውሞ ብምድጋፍ፣ ብማሕበራዊ ሜድያ ተመሳሳሊ ሰልፊ ክካየድ ክጽውዑ ዝጸንሑ’ዮም።

ይኹን’ምበር ንግስነት ኩዌት ምስ መንግስቲ ግብጺ ብዘለዎ ጥቡቕ ዝምድና፣ እቶም ብመንግስቲ ግብጺ ዝድለዩ ሰለስተ ግብጻውያን ብኣባላት ጸጥታ ኩዌት ተታሒዞም’ዮም ኣብዚ ሳልስቲ፣’ዚ ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0