ኩባንያታት ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንምክያድ ይሕልና

ኩባንያታት ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንምክያድ ይሕልና

Radio Erena: 20 December 2018

 italian investorsኣስታት 80 ዝኾና ኩባንያታት ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንምክያድ ከምዝህቅና ሓደ ካብ መርበባት ዜና እታ ሃገር ዝኾነ ኮሬ ደላ ሰራ ሓቢሩ።

እተን ኣብ ጸዓት፣ ሕርሻ፣ ዕደና፣ ማርሞ፣ ማእለማን ካልእ ንጥፈታትን ክዋፈራ ዝህቅና ዘለዋ ኩባንያታት፣ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ኣብ ግምት ብምእታው’ውን ንመጻኢ ዝህሉ ምዕባለታት ብምግምጋም ምዃነን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢማኑዌላ ደል ረይ ዝምራሕ ልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምብጻሕ ብምክያድ ኣብ ምትሕግጋዝን ዝህሉ ናይ ወፍሪ ዕድላትን ብዝምልከት ተመያይጣ’ያ።

እቲ 10ታት ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ዝሓቖፈ ልኡኽ፣ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንምድህሳስ ኣብ ዘኽእል ጉዳያት፣ ኣብ ኣስመራ ናይ ክልተ መዓልታት ዓውደ ዘተ ወዲቡ’ዩ።

ኢጣልያ፣ ምስዘን ሃገራት ኣብ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተኮረ ስምምዓት ብምኽታም፣ ካብዘን ሃገራት ንዝርአ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ ውጥን ከምዘለዋ’ያ ትገልጽ።

ኣቐዲሙ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ምዝታዩ ይዝከር።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0