ሱዳን፣ ናህሪ ዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ዘጎሃሃሮ ግጭት፣ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ሱዳን፣ ናህሪ ዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ዘጎሃሃሮ ግጭት፣ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 20 December 2018

Sudan protest 3

ኣብ ሱዳን፣ ናህሪ ዋጋታት፣ መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ዘጎሃሃሮ ተቓውሞታት ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ኣብ ከተማታታት ካርቱም፣ ፖርት ሱዳን፣ ኣጥባራ፣ ገዳርፍ ተበጊሱ ዘሎ ተቓውሞታት፣ ህዝቢ ብዝልዓለ ክጽንበሮ፣ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ጻውዒት የካይዱ።

ብፍላይ ኣብ ገዳርፍ፣ ኣብ መንጎ ‘ቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩን ፖሊስን ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ተሸሚማ እትርከብ ሱዳን፣ ብፍላይ ዋጋታት ነዳዲ፣ ፊኖን ካልእ መሰረታውያን ነገራትን ካብ ዕለት ናብ ዕለት’ዩ ዝንህር ዘሎ።

ኣብ ሓያሎ ከተማታት እታ ሃገር ባኒ ንምርካብ፣ ህዝቢ ንሰዓታት ዝጸንሕ ሪጋ ክገብር ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ከምዘሎ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ይጠቕሱ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ዝቕባበ ንምቑጽጻርን ዕዳጋ ንምርግጋእን፣ ኣብ መጠን ሸርፊ ባጤራ ሱዳን ዝገበሮ ለውጥታት ዝኾነ ውጽኢት ከምጽእ ኣይከኣለን።

Sudan protest 2

እታ ሃገር ብሰንኪ ገጢሙዋ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ህይወት ንምድሓን ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ መድሃኒታት ንምሽማት ተጸጊማ ከምዘላ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0