ኢትዮጵያ፣ ዞባ ቦሮና ብናይ ብሄር ግጭት ይሕመስ

ኢትዮጵያ፣ ዞባ ቦሮና ብናይ ብሄር ግጭት ይሕመስ

Radio Erena: 20 December 2018

ethi_ethnic cኢትዮጵያ፣ ዞባ ቦሮኖ፣ ከባቢ ሞያለ፣ ብናይ ብሄር ግጭታት ይሕመስ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዳግም ተጎሃሂሩ ኣብ ዘሎ ግጭት ብውሕዱ 21 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 60 ድማ ከምዝቖሰሉን የመልክታ።

እንተኾነ ናይ ዓይኒ መሰኽኽር፣ ተንቀሳቓስን ደረቕን ኣሳእል ብምስናይ ብማሕበራዊ ሜድያታት ኣብ ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ ቁጽሪ ግዳያት ካብቲ ብመንግስቲ ዝጥቀስ ዘሎ ዝተዓጻጸፈ’ዩ።

ነቲ ግጭት ከጎሃህር ዝተዋፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ ሸውዓተ ሰባት ከምዝቐተለ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ብሄራት ኦሮሞን ሶማልን ተጓሃሂሩ ካብ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ዝሃደሙ ሰባት ዶብ ብምስጋር ኣብ ኬንያ ይዕቆቡ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ኬንያ፣ እቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ናብ ውሽጣ ከይልሕም ኣብቲ ዞባ ተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ኣዋፊራ ትርከብ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቲ ዝበዝሐ ሰራዊት እትውንን ኢትዮጵያ፣ ነቲ ጸጸኒሑ ኣብ ኩሉ ዞባታት’ታ ሃገር ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ዛጊት ክትገትእ ኣይከኣለትን።

ብናይ ብሄር ግጭታት እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ኣብ 2020 ከተካይዶ ወጢና ኣብ ዘላ ሓፈሻዊ ምርጫ ናብ ዝበኣሰ ናይ ቀቢላ፣ ብሄርን ዓሌትን ረጽሚ ከይትሽከል ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ስግኣቶም ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኬንያን ንዝርአ ናይ ቀቢላ ግጭታት ንምውጋድ ዝዓለመ ዓውደ ዘተ፣ ብ14 ታሕሳስ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ሃዋሳ ተኻይዱ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0