ከባቢታት ሰንዓፈ፣ ዛላምበሳን ዓዲ ግራትን ዝርከብ ህዝቢ ዘይወግዓዊ ንግዲ ከካይድ ቀንዩ

Radio Erena: 27 January 2021

ኣብ መንጎ ከባቢታት ሰንዓፈ ዛላምበሳን ዓዲ ግራትን ዝርከብ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ንግዲ ከካይድ ከምዝቐነየ ምንጭታት ኤረና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቲ መብዛሕቱ ኣብ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ዘድሃበ ንግዲ፣ ብእግሪ፣ ብሽክለታን ኣእዱግን ክካየድ ዝቐነየ ምብጽጻሕ ካብን ናብን ሰንዓፈ- ዛላምበሳን ዓዲ ግራትን፣ ደሃይ መቕርብን ቤተ ሰብን ንምጥያቕ ዘንቀደ’ውን ምንባሩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ብወገን ትግራይ፣ ዓበይቲ ንግዳዊ ትካላት ዕጽው እኳ እንተሎ፣ ኣብ መሰረታዊ መግብታትን ኣስቤዛን ግና ኣብ ዛላምበሳ፣ ዝሓሸ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ከምዘሎ’ዩ ተመልኪቱ።

እዚ ዝተራእየ ንግዳዊ ምንቅስቓስን ምብጽጻሕ መቕርብን ብመጠኑ ንኡስ እኳ እንተኾነ፣ ዝተራእየ ጎንጺ ይኹን ፍሕፍሐ ብዘይምንባሩ፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንሰላም ዘለዎ ባህግን ድሌትን ዘንጸባርቕ ምዃኑ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ኣረዲኦም።

ይኹን’ምበር፣ በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኵናትን ሳዕቤናቱን፣ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጓህን ሓዘንን ከምዝንበብ ድማ ኣገንዚቦም።

እቲ ብመጠኑ ክእረ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብን ናብን ሰንዓፈ- ዛላምበሳን ዓዲ ግራትን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ደው ከምዝብል ኮይኑ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0