ከሰላ፣ ጸጥታ ክሳብ ዝረጋጋእ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ተናዊሑ

Radio Erena: 02 September 2020

ኣብ ከሰላ፣ ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ቀቢላዊ ግጭታት ክሳብ ዝሃድእ፣ ኣቐዲሙ ዝተኣወጀ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ፣ ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ተናዊሑ።

እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክናዋሕ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከሰላ ንዝተኻየደ ግጭታት እትግምግም ኮሚተ፣ ጸብጻባ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪ ምቕራባ’ዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን፣ ልዩተናንት ጀነራል፣ ኤል ጠሪፍ እድሪስ፣ ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ድሕሪ ምትሕልላፉ፣ ብሓይሊ ፖሊስ ዝቖመት፣ ጸጥታ ከተማ ከሰላ እተረጋግጽ ፍልይቲ ኣሃዱ ቆይማ ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከሰላ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብጉዳይ ምሻም ሓድሽ ኣማሓዳሪ ብዝምልከት፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቤንዓምርን ሃደንደዋን ብዝተኻየደ ግጭታት ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።

ሓድሽ ተመዚዙ ዘሎ ኣምሓዳሪ ከሰላ፣ ሳልሕ ዓማር፣ ካብ ቀቢላ ቤን ዓምር ደገፍ ክረክብ እንከሎ፣ ዓበይቲ ዓዲ ብሄረ ቤጃን ሃደንደዋን ይቃወምዎ ኣለዉ።

ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ድማ እቲ ኣማሓዳሪ፣ ዛጊት ናብ ዝተመደበሉ ቦታ ስራሕ ክኸይድ ከምዘይክኣለ ይግለጽ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0