ከም መቐጸልታ ዝኽሪ ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪን ዳዒሽን፣ ኣብ በይ ኤርያ ሰልፊ ተኻይዱ

ከም መቐጸልታ ዝኽሪ ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪን ዳዒሽን፣ ኣብ በይ ኤርያ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 20 May 2015

Bay Area

ከም መቐጸልታ ናይቲ ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪን ኣብ ሊብያ ብዳዒሽ ንዝተቀትሉ ስደተኛታት ንምዝካር ዝካየድ ዘሎ ዝተፈላለየ መደባት፣ ኣብ ኣመሪካ፣ በይ ኤርያ’ውን ብሰኑይ 18 ግንቦት ሰልፊ ተኻየዱ።

ኣብቲ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ዘካየድዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፣ ባንዴራታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ብምልዓል፣ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ንተራ ስደተኛታት ብግፍዒ ምቕታሉ ኮንኒኖም።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ኣብ ሰሃራን ሲናይን ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ሞት ስደተኛታት ከምዘጉሃዮም ንምጉላሕ፣ ኣሳእል ግዳያት ስደተኛታትን ጭርሖታትን ብምልዓል’ዮም ነቲ ሰልፊ ኣካይዶሞ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0