ዳዒሽ፣ ብምስግጋር ስደተኛታት ልዕሊ 320 ሚልዮን  ዶላር ከምዝረኸበ ተቃሊዑ

ዳዒሽ፣ ብምስግጋር ስደተኛታት ልዕሊ 320 ሚልዮን ዶላር ከምዝረኸበ ተቃሊዑ

Radio Erena: 21 May 2015

Liisis

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ስደተኛታት ብምስግጋር ልዕሊ 320 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ሓድሽ መጽናዕቲ ብምጥቃስ መጽሔት ታይም ሓቢሩ።

መጽሔት ታይም ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ጸብጻብ፣ ኣብ ሊብያ ዝንቀሳቐስ ዳዒሽ ብስውሩን ብግሁድን ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ተዋፊሩ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ካብ 800 ክሳብ 300ዶላር ከምዝረክብ ኣመልኪቱ።

 

ኣብ ሶራያን ዒራቕን ዝንቐሳቀስ ዳዒሽ’ውን ብዘይካ’ቲ ካብ ዝቖጻጸሮ ከባቢታት ዝረኽቦ ናይ ነዳዲ ኣታዊ፣ ካብ ኮንትሮባንዳን ሕጋውያን ነጋዶን ግብሪ ከምዝእክብ ይግለጽ።

ብፍላይ ንዋሕዚ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይጥቐመሉ ምህላዉ ዘመልከተ ጸብጻብ መጽሔት ታይም፣ ካብ ሰሃራ ክሳብ ገማግም ባሕሪ ብጀላቡ ዝካየድ ምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ይነጥፍ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ሕብረት ኤውሮጳ’ውን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዘካይዶ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ናይ ምግታእ ውጥናት፣ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ደላሎን ምስቲ ሽበራዊ ጉጅለ ምትእስሳር ከይህልዎም ደቒቕ መጽናዕትን ምክትታልን ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ሓያሎ ካብቶም ብመንገዲ ሊብያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፉ ዘለዉ ደላሎን ኣሰጋገርትን ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኖም ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ እቶም ቀንዲ ናይ ምስግጋር መርበብ ዝመርሑን ዘካይዱን ግና ዜጋታት ሊብያ፣ ግብጺ፣ ቻድ፣ ሶርያ፣ ሱዳንን ሶማልን ምዃኖም’ዩ ዝጥቐስ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0