ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ህዝቅኤል ተወልደ፣ ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ሰይሩ

Radio Erena: 19 October 2021

ህዝቅኤል ተወልደ፣ ብኤርትራውያን ኣትለታት ተታሒዙ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ማራቶን ሰይሩ።

እቲ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት፣ ንክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ክሰርብ ዝኸኣለ፣ ብሰንበት 17 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኣምስተርዳም’ዩ።

ኣብቲ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታምራት ቶላ፡ ብወገኑ ክብረወሰን ውድድር ማራቶን ኣምስተርዳም ዝሰበረሉ ናይ ቅድድም፣ ህዝቅኤል ድማ ሓሙሻይ ደረጃ ሒዙ።

ወዲ 35 ዓመት ህዝቅኤል፣ ነቲ 42 ኪሎሜተር ዝርሕቐቱ ውድድር ንምፍጻም፣ 2 ሰዓታት፡ 4 ደቓይቕን 35 ካልኢታትን ወሲድሉ።

በዚ ዘመዝገበ ግዜ ድማ፣ ህዝቅኤል ተወልደ፣ ብኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዑቕበ ክብሮም ተታሒዙ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ክሰብር ክኢሉ።

ኣትሌት ዑቕበ ክብሮም ኣብ ነሓሰ 2020፡ ኣብ ውድድር ማራቶን ቫሌንሽያ ስጳኛ፣ 2 ሰዓታት፡ 5 ደቓይቕን 53 ካልኢታትን ግዜ ኣብምምዝጋብ’ዩ ንክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ሒዙ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ውድድራት ኣትለቲክስ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ኤርትራዊ መበቖል ዘለዎምን ኣትሌታት ኣንጸባራቒ ዓወታት ሓፊሶምን፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ረኺቦምን።

ንዝርዝር ጸብጻብ ናይዚ ዜና፡ ሎሚ ሰሉስ 19 ጥቅምቲ ኣብ ዝፍኖ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ተኸታተሉ፡

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0