ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ከምዘካየዳ ተገሊጹ

Radio Erena: 18 October 2021

ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ተደጋጋሚ ደብዳብ ከምዘካየዳ ዝተፋለለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ብሚሊሻታት ዝተፈላለያ ክልላት ተደጊፉ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኵናት ገጢሙ ዝርከብ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓያሎ ግንባራት ከቢድ ስዕረታት ከምዝወረዶ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደ ዝተመልከተ።

በቲ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ከምዝኾኑ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣቃሊሓ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ሰለማውያን ዒላማ ዝገበረ፣ ፈጺምዎ ዝተባህለ ደብዳብ ነፈርቲ ብዝምልከት መግለጺ ኣይሃበሉን።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0