ወደብ ፖርት ሱዳን፣ ብሰንኪ ኣድማ ኣብ ሓደ ወርሒ ናይ ልዕሊ 80 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ

Radio Erena: 19 October 2021

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ወደብን ኣውራ መንገድታትን ብምዕጻው ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ኣድማ፣ ኣስታት 83 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘስዓበ ሚኒስትሪ ሃብቲ እንስሳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ሓፊዝ ዓብደልናቢ፣ ብ17 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣድማ፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንመሸጣ ተዳልየን ዝነበራ ከብቲ፣ ኣግማልን ጤሌ -በጊዕን ስለዝተዓግታ፣ እቲ ክሳራ ከምዝሰዓበ ኣስሚርልልልልሉ።

ኣብ ወደብ ፖርትን ናብቲ ወደብ ኣብ ዘእቱ መንገድታትን ልዕሊ 150 ሽሕ ከብቲ፣ ኣግማልን ጤሌ-በጊዕን ተዓጊተን ከምዘላ ዘመልከተ እቲ ሚኒስተር፣ ምስ ናይ ግብሪን ካልእን ተተሓሒዙ እቲ ክሳራ ክሳብ 120 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዝጸውዖ ኣድማ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳንን ካብን ናብን ዘእቱ መንገድታትን ዓጽዩ ይርከብ።

‘ስልጣን መን ሓዘ’ ብዝሰበቡ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ተሸሚሙ ዝርከብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ንዘቕረቦ ጠለባት ከማላእ ብዘይምኽኣሉ’ዩ እቲ ድማ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ቀጺሉ ዘሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ እብ ሱዳን ወትሃደራዊ ዕልዋ ክካይድ ዝድግፉ ኣሽሓት ሱዳናውያን፣ ንኻልኣይ መዓልቶም ኣብ ካርቱም ሰልፊ ቀጺሎም።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0