እስራኤል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንዘለዋ ፖሊሲ ንምቕዋም ኣብ ስቶኮልም ሰለማዊ ሰልፊ ክካይድ’ዩ

እስራኤል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንዘለዋ ፖሊሲ ንምቕዋም ኣብ ስቶኮልም ሰለማዊ ሰልፊ ክካይድ’ዩ

Radio Erena: 09 April 2015

Demoin

እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ንዘለዉ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብዎም ስደተኛታት እትኽተሎ ዘላ ፖሊሲ ንምቅዋም፣ ንሰኑይ 20 ሚያዝያ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ’ዩ።

እቲ ብኣቆጻጽራ ሽወደን ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት እትፍጽሞ ዘላ ግፍዕታት ብምኹናን፣ መሰል ደቂ ሰብ ክትሕሉ ዝጽውዕ’ዩ።

 

ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ኣንጻር እዚ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ንምቅዋም ተመሳሳሊ ሰልፍታት ክካየድ፣ ነዚ ናይ ስቶኮልም ሰለማዊ ሰልፊ ዝወደቡ ይገልጹ።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 42 ሽሕ ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ’ዮም።

መንግስቲ እስራኤል ነዞም መሰል ስደተኛታት ዝነጸጎም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ብዘይድሌቶም ናብ ሩዋንዳን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ንምጥራዞም ጽዑቕ ዕማም ኣብ ምክያድ ይርከብ።
=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0