ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ብዛዕባ ሓድሽ ምዕባለታት ርክብ  ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝምልከት ንኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት መብርሂ ሂቦም

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ብዛዕባ ሓድሽ ምዕባለታት ርክብ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝምልከት ንኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት መብርሂ ሂቦም

Radio Erena: 09 April 2015

ErFM

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ንፍሉያት ኣባላት ኤምባሲታት ሃገራት ኤውሮጳ ኣኼባ ኣካይዶም።

እቲ ትማሊ ሰሉስ 8 ሚያዝያ ኣብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ኣኼባ ብዛዕባ’ቲ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሒዘንኦ ዘለዋ መርገጺን፣ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራን ንምግትኡ ካብቲ ሕብረት ዝቐርብ ዘሎ ጠለባትን መብርሂ ንምሃብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ፣ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዩሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ብምልጋስ፣ ኣብ ኤርትራ ንመንእሰያት ምቹእ ናይ ስራሕን ቁጠባን ዕድላት ብምፍጣር ዋሕዚ ስደት ክግታእ ይክእል’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘለዎ።

 

ብዘይካ’ዚ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቕርቦ ተደጋጋሚ ጻውዒታት ብዝምልከት ኣብቲ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ኣኼባ ሰራሕተኛታት ኤምባሲን ሰበ ስልጣን ህግደፍን ተዘትዩሉ።

ብሪጣንያ እትርከበን ሃገራት ኤውሮጳ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ምዃኑ ብዲፕሎማሰኛታት መንግስቲ ኤርትራ ክንገሮም ከምዝጸንሐ’ዮም ዝጠቕሱ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ምዃኑ ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበሉን።

ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ኤርትራን፣ ብጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት፣ ሕቶ ደሞክራሲን ጽገናዊ ለውጥን፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ከምኡ ድማ ብዛዕባ’ቲ በቲ ሕብረት በብእዋኑ ዝልገስ ኣማኢት ሚልዮናት ዩሮ ብቐጻሊ’ዮም ዝዘራረቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኦስትርያ ከተማ ቬና ኣብ ዝተጋብአ ኣህጉራዊ ዘተ ‘ብሩኖ ክርየስኪ’ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታትን ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ፖሊስን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዳይረክተር ኣፍሪቃን ዞባ ህንዳዊ ውቅያኖስን ዣን ክሪስቶፍ በያርድን ፍሉይ ልኡኽ ኦስትርያ ኣብ ኣፍሪቃን ኣወሃሃድቲ ናይቲ ዘተን ጂዮርጅ ለንክን ብዛዕባ ኩነታት ኣፍሪቃ ተወሳኺ መብርሂ ኣቕሪቦም።
===================================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0