መንግስቲ ኬንያ ናብ ሶማል ዝሕወል ገንዘብ ደው ኣቢሉ፣ ናይ 86 ሰባት ናይ ባንክ ሕሳብ ድማ ኣደስኪሉ

መንግስቲ ኬንያ ናብ ሶማል ዝሕወል ገንዘብ ደው ኣቢሉ፣ ናይ 86 ሰባት ናይ ባንክ ሕሳብ ድማ ኣደስኪሉ

Radio Erena: 09 April 2015

kenmon

መንግስቲ ኬንያ፣ ካብታ ሃገር ናብ ሶማል ብሕጋዊ መንገዲ ዝካየድ ዝነበረ ገንዘብ ናይ ምልኣኽን ምሕዋልን ንጥፈታት ደው ኣቢልዎ።

እቲ መንግስቲ፣ ካብ ኬንያ ናብ ሶማልያ ገንዘብ ኣብ ምሕዋል ዝነጥፋ ዝነበራ 13 ትካላት ከምዝዓጸወ’ውን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ጆሴፍ ንኪያሰሪ ኣፍሊጡ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ባንክ’ታ ሃገር ንዝርከብ ናይ 86 ሰባት ሕሳብ ከምዝደስከለ’ውን እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

 

መንግስቲ ኬንያ ነዚ ስጉምታት ዝወስድ ዘሎ፣ ምስ ኣልሸባብ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት ናብቲ ሽበራዊ ጉጅለ ገንዘብ የሰጋግሩ ኣለዉ ብምባል ምዃኑ ይሕበር።

ኣብ ኬንያ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሶማላውያን ከምዝነብሩ’ዩ ዝግለጽ።

ኬንያ፣ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን 147 ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጋሪሳ ዝቐተለ ናይ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ልዑል ጸጥታዊ ምክትታል ተካይድ ምህላዋ’ያ ትገልጽ።

እታ ሃገር ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሶማል ንዝርከብ መዓስከራት ስልጠና ኣልሸባብ’ዩ ንዝበለቶ ከባቢታት ናይ ነፈርቲ ደብዳብ እኳ እንተካየደት፣ ኣብ ሰብ ይኹን ኣብ ንብረት ዘውረደቶ ክሳራታት ግና ኣይተፈልጠን።

ኣልሸባብ ብሕጂ’ውን ኣብ ኬንያ ተመሳሳሊ ህልቂት ክፍጽም ምዃኑ የጠንቕቕ ኣሎ።

እቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን መጥቃዕቲ፣ ኬንያ ምስ ሶማል ዘዋስና ዶባት ክትሓጽሮን ናይ ጸጥታ ዞባ ከተቕውምን ምዃና ኣብ እትገልጸሉ ዝነበረት እዋን’ዩ ተኻይዱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0