እስራኤል፣ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ልዕሊ 16 ሽሕ ኤርትራውያን 13 ጥራይ ተቐባልነት ረኺቦም

Radio Erena: 27 October 2019

መንግስቲ እስራኤል፣ ክሳብ ሰነ 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ ናይ 16 149 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ጉዳይ ከምዝተቐበለ ንጸብጻባት መንግስቲ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ መንግስቲ፣ ነቶም ልዕሊ 5502 ክነጽጎም እንከሎ ን13 ጥራይ ዑቕባ ሂቡ።

ናይቶም ዝተረፉ ኣስታት 15 ሽሕ ጉዳይ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይረኣዮን።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ንሒደት ጥራይ ዑቕባ ዝሃበሉ ምኽንያት መብርሂ ክህብ፣ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ኣቕሪቡ ከምዘሎ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ኣረዲኡ።

ነቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ እትርከብ ኮሚተ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ሰሪሖም ክነብሩ ዘኽእሎም መንበሪ ፍቓድ፣ ሕክምናን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዝኣመሰለት መሰላት ዝተሓረምሉ ምኽንያት’ውን ትሓትት ኣላ።

እታ ኣብ ምጥባቕ ማሕበራዊ መሰላት እትነጥፍ ኮሚተ ሕቡራት ሃገራት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እስራኤል ድሕሪ ምርኻባ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝመጽእ ዓመት መልሲ ክትህበሉ ምዃና ጠቒሳ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ንዝበዝሑ እቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ካብ ሃገሩ ንኽወጽኡ ዘገድድ ዝተፈላለየ ፖሊሲታት ክሕንጽጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ ናብ ካልእ ሃገር ንምስጓጎም፣ ኣቐዲሙ ምስ መንግስታት ኡጋንዳን ሩዋንዳን ኣብዚ እዋን፣ዚ ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0