እስራኤል፣ ኵናት ትግራይ ካብ ዝጀመር፣ ናይ ኣይሁድ መበቆል ኣለዎም ኢላ ካብ ዘግዓዘቶም 2 ሽሕ ኢትዮጵያውያን፣ ብገበናት ኵናት ንዝህደኑ ከተረክቦም ምዃና ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 11 November 2021

እስራኤል፣ ኵናት ትግራይ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዛ ካብ ኢትዮጵያ ንዘውጽኣቶም ኢትዮጵያውያን፣ ብገበናት ኵናት እንተተኸሲሶም ናብ መበቆል ዓዶም ክትመልሶም ምዃና ኣጠንቂቓ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፣ ቻነል 13 ንዝተባህለት መደበር ቴሌቪዥን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ዜና፣ እስራኤል፣ ኵናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ንደሓር ጥራይ ኣርባዕተ መኮንናት ዝርከብዎም ኣስታት 2 ሽሕ ኢትዮጵያንውያን ኣውጺኣ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፣ ናፍታሊ ቤነት ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ገለ ካብቶም እስራኤል ዘውጽኣቶም ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ገበናት ኵናት ዝተሳተፉ ምዃኖም ከምዝገለጸሉ እታ መደበር ቴሌቪዥን ጠቒሳ።

ኵናት ትግራይ ናብ ዝበዝሐ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣስፋሕፊሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ እስራኤል ናይ ኣይሁድ መበቆል ኣለዎም ንዝብሃሉ ኢትዮጵያውያን ከተውጽእ፣ ብማሕበረ ኮም ኣይሁድ ኢትዮጵያውያን ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

ታይምስ ኦፍ እስራኤል ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እስራኤል ናይ ኣይሁድ መበቆል ኣለዎም ንዝበሃሉ ኣስታት 5 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ኢትዮጵያ ንምውጽእ መዲባ ኣላ።

እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ኣብ 2015 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ፣ ናይ ኣይሁድ መበቆል ኣለና ዝብሉ ኣስታት 9 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ እስራኤል ናይ ምግዓዝ ስምምዕ’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብዚ ቀረባ ብምስጢር ናብ እስራኤል ግዒዞም ዝተባህሉ ልዕሊ 60 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን፣ ናይ ኣይሁድ መበቆል ዘይብሎምን ናይ ኵናት ሓደጋ ድማ ዘየንጸላለዎምን ኮይኖም፣ ተራ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት’ዮም ክትብል ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣብ ዘዳለወቶ ጸብጻብ ኣስፊራ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0