ሶማል፣ ክልተ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ንሞት ተፈሪዶም

Radio Erena: 14 November 2021

ኣብ ሶማል ክልተ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝተዋህቦም፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እቶም ዩጋንዳውያን ወተሃደራት ምስቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተፈጸመ ቅትለት 7 ሰላማውያን ሰባት ብዝተኣሳሰር፣ ክሲ ተመስሪቱሎም ዝጸንሑ እዮም። ኣብቲ ፍጻሜ ተሓባበርቲ ኔሮም ዝተባህሉ ካልኦት ሰለስተ ከኣ ን39 ዓመት ክእሰሩ ተፈሪዶም።
ነቲ ጉዳይ ክከታተል ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ዝቖመ ዩጋንዳዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ኣብ ትሕቲ ኣሚሶም ዝተጠርነፉ ኣባላት ዓቃብ ሰላም፣ ልዕሊ ሕጊ ሶማል ከምዘይኮኑ ክፈልጡ ኣለዎም’ ኢሉ።
ብዕለት 10 ናይ ወርሒ ነሓሰ፣ እቶም ኣባላት ዓቃብ ሰላም፣ ኣብ ሓለዋ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ‘ካብ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ተፈጺሙና’ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተኹሲ ከምዝኸፈቱ፣ ሚኒስተር ፍትሒ ሶማል ዓብዱልቃድር መሓመድ ኑር፣ ኣብቲ እዋን ምግላጹ ይዝከር።
ኣሚሶም፣ እቶም ኣባላቱ ነብሶም ክከላኸሉ ዝኸፈትዎ ተኹሲ’ዩ ብምባል ክከላኸለሎም ድሕሪ ምጽንሑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተኹሲ ከምዝኸፈቱ ተኣሚኑ።
ቤተሰብ’ቶም ሸውዓተ ግዳያት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ እቲ ፍርዲ ምስ ተዋህበ፣ ‘በቲ ዝተዋህበ ውሳኔ ዕጉባት እኳ እንተኾንና፣ ካሕሳ ክወሃበና ግን ክንጽበይ ኢና’ ክብሉ እቶም መቕርብ ቃል ሂቦም።
ኣልሸባብ ናይ ሶማል፣ ኣብ ደቡብ ሸበለ ኣብ ልዕሊ ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት የካይድ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0