ደቡብ ሱዳን፣ ብማህደረ-ትምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስታት ዘለዉ ዜጋታታ ንምውጻእ ትጽዕር ከምዘላ ኣፍልጣ

Radio Erena: 11 November 2021

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ብማህደረ-ትምህርቲ ኣብ ዩኒቨርስታት ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ 59 ዜጋታቱ ንምውጻእ ይጽዕር ከምዘሎ ኣፍሊጢ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን፣ ደንግ ዱዋ ደንግ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ነቶም ኣብ ናይ ግጭት ከባቢታት ተቐርቒሮም ዘለዉ ዜጋታት ሃገሩ ንምውጽኦም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

እቶም ተማሃሮ፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝተበጽሐ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ፣ ናይ ማህደረ-ትምህርቲ ዕድል ተዋሂብዎም ትምህርቶም ክከታተሉ እኳ እንተጸንሑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጥረ ጸጥታዊ ኩነታት፣ ንድሕነቶም ኣስጋኢ ስለዝኾነንን ስድራቤታቶም’ውን ኣብ ሻቕሎት ስለዝርከቡ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከውጽኦም ከምዝወሰነ ኣረዲኡ።

ነቶም ተማሃሮ፣ መጀመርያ ተዛማዲ ውሕስነት ናብ ዘለዉ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምግዓዞም ቀዳማይ መደብ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ምክትል ሚኒስተር፣ ድሕሪኡ ኣማራጺታት ንምንዳይ ከምዝከኣል ኣስሚርሉ።

ኣስታት 300 ደቡብ ሱዳናውያን፣ ብማህደረ-ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ትምህርቶም ይከታተሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ካብ ዝርከባ ኣስታት 42 ዩኒቨርስታት፣ እተን ኣስታት ፍርቂ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ምፍራስ ጸጥታን ስሩዕ ንጥፈታተን ተሰናኺሉ ይርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0