እስራኤል፣ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ክመጹ ንዝክእሉ ስደተኛታት ንምዕጋት ሰራዊታ ናብ ውሽጢ ሲናይ ከተዋፍር መንግስቲ ግብጺ ፈቒዱ

እስራኤል፣ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ክመጹ ንዝክእሉ ስደተኛታት ንምዕጋት ሰራዊታ ናብ ውሽጢ ሲናይ ከተዋፍር መንግስቲ ግብጺ ፈቒዱ

Radio Erena : 10 August 2015

Israeli Forces

እስራኤል፣ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ክመጹ ንዝኽእሉ ስደተኛታት ንምዕጋት፣ ሰራዊታ ናብ ውሽጢ መሬት ሲናይ ክኣቱ መንግስቲ ግብጺ ከምዝፈቐደ ተገሊጹ።

ኣብ ብለንደን ብቋንቋ ዓረብእትሕተም ጋዜጣ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ካብ ሓለዋ ዶባት ግብጺ ንዘምለጡ ይኹኑ ብጥይት ንዝወደቑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታዎም፣ እስራኤል ክሳብ ውሽጢ ሲናይ ሰራዊታ ከተንቀሳቕስ ካብ ግብጺ ምሉእ ፍቓድ ረኺባ ኣላ።

ብመሰረት ጸብጻብ እታ ጋዜጣ፣ 15 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ብ1 ነሓሰ ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ንምእታውይ ፈቲኖም።

 

እንተኾነ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ካብ ሰራዊት ግብጺ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ክወድቁ እንከለዉ፣ እቶም ዘምለጡ’ውን እስራኤል ድሕሪ ምእታዎም ብሰራዊት እታ ሃገር ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ጋዜጣ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ትጠቕስ።

እስራኤል፣ ኣብ ልዕሎ ስደተኛታት እትኽተሎ ዘሎ ፓሊስ፣ ንዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ዓመት ናብ ኣስታት 0 ከተውርዶ እንከላ፣ ኣብታ ሃገር ኣትዮም ናይ ዝነበሩ ቁጽሪ’ውን ብሰንኪ ግዱድ ምምላስ ካብ ኣስታት 40 ሽሕ ናብ 30 ሽሕ ወሪዱ ከምዝርከብ ጸብጻባት እ ሃገር የመልክቱ።

እታ ሃገር ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ብፍቕእዶም ናብ ኤርትራ ክምለሱ፣ ወይ ድማ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ክፋነዉ ከተገድድ እንከላ፣ ነዚ ንዘይተቐበሉ ከኣ፣ ብፍላይ እቶም ክሳብ 2011 ኣብ ዝነበረ ግዜ ናብ ሃገር ዝኣትዉ ናብ ክፉት ቤት ማሰርቲ ሖሎት ክዳጎኑ’ያ ወሲና።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0