ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሶማል ሓሙሽተ ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሶማል ሓሙሽተ ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 11 August 2015

Ethio army in somalia

ኣብ ማእከል ሶማል ኣብ እትርከብ ከተማ ሃላጋን ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ህዝቢ ኣብ እትመለላልስ ሚኒባስ ብዝኸፈቶ ቶዅሲ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰለማውያን ሰባት ከምዝቀተለ ማዕከን ዜና ሸበለ ሓቢሩ።

ሓሙሽተ ተሳፈርቲ እታ ሚኒባስ’ውን በቲ መጥቃዕቲ ቆሲሎም።

ሓይልታት ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እታ ሚኒባስ ዕጡቓት ኣልሸባብ ዝጸዓነት ስለዝመሰሎም ነቲ ሃንደበታዊ ቶዅሲ ከምዝኸፈቱ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት እቲ መንግስቲ ኣረጋጊጹ።

 

እቲ ኣዛዚ ንማዕከን ዜና ሸበሌ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፣ በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ተሳፈርቲ እታ ሚኒባስ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ጠቒሱ።

ብሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተደገፈ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ነታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ካብ ኣልሸባብ ከምዝመንዝዓ’ዩ ዝንገር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ጋልጋዱድ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ኣልሸባብ፣ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዝጸዓነ ቃፍላይ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ኣካይዱ።

እቲ ኤልቡር ካብ ዝተባህለት ከተማን ናብ ማሃሳን ዝንቀሳቀስ ዝነበረ ቃፍላይ፣ ዋሂቦ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት ድሕሪ ምብጽሑ፣ ኣርፒጂን ሞርታራትን ብዝዓጠቁ ኣባላት ኣልሸባብ ድሕሪ ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ፣ ጉዕዝኡ ከምዝተሰናኸለ ይግለጽ።

ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ሰራልዮንን ዝርከብዎ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ብዝወሰድዎ ወትሃደራዊ ተበግሶ፣ ኣልሸባብ ዓሪድሎም ዝጸንሐ ንኣሽቱ ከተማታት ራሕሪሑ ይበታተን ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ካብ ሶማል የረድኡ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0