ኣብ ዓለም ብዕብየትዩ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ካብ ዝስራዕ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ዝጸንሑ ልዕሊ 100 ሶማላውያን ናብ ዓዶም ተመሊሶም

ኣብ ዓለም ብዕብየትዩ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ካብ ዝስራዕ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ዝጸንሑ ልዕሊ 100 ሶማላውያን ናብ ዓዶም ተመሊሶም

Radio Erena : 10 August 2015

Refu Dadab

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዳዳብ ንሓያሎ ዓመታት ተዓቝቦም ዝጸንሑ 115 ሶማላውያን ናብ ዓዶም ተመሊሶም።

እዚ ታሪኻዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ምምላስ ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም፣ ነታ ተስፋ የብላን እናተባህለት ብውድቕቲ ሃገር እትግለጽ ሶማልያ፣ ሓድሽ ተስፋ ዝፈጥር ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ነቶም ሶማላውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ነፋሪት ብ5 ነሓሰ ናብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝዓረፈትሉ’ውን ወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ተአርኺቦም ድሙቕ ኣቀባብላ ጌሮምሎም።

 

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዳዳብ፣ ግጭት ሶማል ኣብ ዝተጎሃሃረሉ እዋን ኣብ 1991 ክምስረት እንከሎ፣ ኣስታት 90 ሽሕ ስደተኛታት ከዕቑብ መደብ እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ 24 ዓመታት ቁጽሪ ስደተኛታት ሶማል ኣብቲ መዓስከር ናብ 300 ሽሕ’ዩ ዓሪጉ።

ዳዳብ፣ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝእለ መዓስከራት ዓለም ብዕብየዩ እብ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብታ ሃገር ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ኣልሸባብ ዕጡቃት፣ ነቲ መዓስከር ከም መንሃርያ ይጥቀምሉ ኣለዉ ብዝብል ስግኣት፣ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ክዕጾ ንሕቡራት ሃገራት ምሕታቱ ይዝከር።

ካብ ሶማል ዝስደዱ እንተዘይኮይኑ ናብ ሶማል ብወለንትኦም ዝምለሱ ዜጋታት እታ ሃገር ብዘይምጽንሖም፣ እዚ ናይዚ ዝሓለፈ ሰሙን ፍጻሜ፣ ነታ ሃገር ናብ ጎደና ምርግጋእ ተምርሕ ምህላዉ ዝቀላቀል ዘሎ ተስፋ’ዩ እናተባህለ ይግለጽ ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን ሃገራት ሚልዮናት ሰባት ክስደዱ እንከለዉ ብወለንቶም ናብ ሃገሮም ናይ ዝመልሱ ቁጽሪ ግና ካብ ኣሽሓት ኣይሓልፍን’ዩ።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0