እስራኤል፣ ኣብ ካርቱም ደብዳብ ኣካይዳ ተባሂሉ

እስራኤል፣ ኣብ ካርቱም ደብዳብ ኣካይዳ ተባሂሉ

Radio Erena: 08 May 2015

israatt

እስራኤል፣ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ከባቢ ኡምዱርማን ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ ነቝጣ ደብዳብ ከምዘካየደት ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓረብ ገሊጸን።

ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ኮለነል ኣልሳዋርሚ ኻልድ ሰዓድ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን ዝኾነ መጥቃዕቲ ከምዘይተኻየደ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር እቲ ኣፈኛ፣ እንታይነቱ ዘይተነጸረ በራሪ ነገረ ንክሊ ኣየር ሱዳን ከምዝጠሓሰ ብምርግጋጽ፣ ምክልኻል ሰራዊት ሱዳን ጸረነፈርቲ ከምዝተኮሱ ኣይሓብአን።

 

ናይ ዓይኒ መሰኻክር ግና ንክሊ ኣየር ሱዳን ዝጠሓሳ ነፈርቲ ውግእ ምዃነን’ዮም ዘመልክቱ።

ኣብ ከባቢ ኡምዱርማን ኣብ ዝርከበ ወትሃደራዊ ነቝጣ ባርዕ ከምዝርኣዩ ዝሓበሩ ካልኦት ተዓዘብቲ ድማ፣ ቅድሚ እቲ ባርዕ ብርቱዕ ናይ ሚሳይል ድምጺ ከምዝሰምዑ ሓቢሮም።

ሓደ ሓደ ማዕከናት ዜና እስራኤል’ውን፣ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ሱዳን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከምዘካየዳ እኳ ይጠቕሳ እንተለዋ፣ መንግስቲ እስራኤል ሓቂ ይኹን ሓሶት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረኸቦ ኣጽዋር ብመንገዲ ሱዳን ከምዘሰጋግሮ ብተደጋጋሚ እትወቕስ እስራኤል፣ ቅድሚ ሕጂ’ውን ናይ ሓማስ ኣጽዋር ይኽዘነሉ’ዩ ኣብ ዝበለቶ ወትሃደራዊ መዓስከር መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ኣይርሳዕን።

እንተኾነ እስራኤል፣ ኣብ ሱዳን ንእተካይዶ ወትሃደራዊ ስርሒታት ብዘይዝኾነ መግለጺ’ያ ትሓልፎ።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0