ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ዘሰጋግራ ጀላቡ ንምዕናው ካብ ባይቶ ጸጥታ ፍቓድ ይሓትት

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ዘሰጋግራ ጀላቡ ንምዕናው ካብ ባይቶ ጸጥታ ፍቓድ ይሓትት

Radio Erena: 08 May 2015

refuboa

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ንዘጎዓዕዛ ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከይተበገሳ ንምዕናወን ወትሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ካብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ፍቓድ ይሓትት ኣሎ።

መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ዘካየድዎ ህጹጽ ኣኼባ፣ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ደላሎን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ብዝልዓለ ክህደኑ ኣብ ርእሲ ምስምምዖም፣ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዘገልግላ ጀላቡ’ውን ካብ ገምግም ባሕሪ ሊብያ ቅድሚ ምብጋሰን ክዓንዋ ዝብል ሓሳብ ምቕራቦም ይዝከር።

 

እንተኾነ እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ተበግሶ፣ ነቶም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተቐርቒሮም ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ንኸይሰግሩ ኣፍደጌታተን ንምዕጻው ዝተጠቕማሉ ሜለ’ዩ ብምባል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሕቡራት ሃገራትን ተቓዊሞሞ’ዮም።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሕጋዊ መስርሕ 5 ሽሕ ስደተኛታት ከጣይሳ ምዃነን ብምግላጽ፣ እቲ ዝበዝሐ ግና ነናብ ዓዱ ዝምለሰሉ መንገዲ ክናደ ኣለዎ ዝብል መርገጺ’ዩ ዘለወን።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ነዚ ስደተኛ ናብ ኤውሮጳ ንኸይሰግሩ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፋ ይኽእላ’የን ንዝተባህላ ኣማኢት ጀላቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንምዕናወን ካብ ባይቶ ጸጥታ ፍቓድ ይሓትት ኣሎ።

ኣባል ባይቶ ጸጥታ ዝኾነት ሩስያ ንሕቶ ሕብረት ኤውሮጳ ከምዝተቓወመቶ ንዲፕሎማሰኛታት ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

28 ኣባላት ዝሓቖፈ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ብዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ከምዝተገደደ ይዝከር።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ዜጋታት ኤርትራ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ሶርያን ዝርከብዎም ልዕሊ 30 ሽሕ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ብምእታው ናብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ፋሕ ክብሉ እንከለዉ፣ ኣስታት 1800 ከኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

===============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0