ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን፣ ኣስታት 400 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒኑ

ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን፣ ኣስታት 400 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒኑ

Radio Erena: 10 May 2015

Germa

ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓለዋ ባሕሪ ጀርመን ህይወት 400 ሰባት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነ ገሊጹ።

ኢጣልያ እዚ ብማእከላይ ባሕሪ ዝመጻ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታትን ንዘጋጥም ሓደጋታት ንምቁጽጻር ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ብምዃኑ ሓገዝ ሃገራት ኤውሮጳ ምሕታታ ይፍለጥ። ነዚ ምላሽ ንምሃብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳን ጀርመንን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዞም ኣብ ናይ ህይወት ኣድሕን ወፍሪ ይሳተፉ ኣለዉ።

 

በዚ መሰረት ሓለዋ ባሕሪ ጀርመን ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ጥራይ ህጻናትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ሰባት ኣድሒኖም ኣለዉ።

ዝበዝሑ ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ሱዳንን ክኾኑ እንከለዉ፣ ናብ መንግስቲ ኢጣልያ ክርከቡ ምዃኖም ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ህይወት ኣድሕን ተዋፊሩ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ኣፍሊጡ። ንሱ ብተወሳኺ፣ ክንድዚ ብዝሒ ሰብ እሞ ከኣ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኣዴታትን ዘለዉዎ፣ ንህይወት ኣብ ዝፈታተን ጉዕዞ ክኣቱ፣ ርኢኻ ከማን ንምእማኑ ኣጸጋሚ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጽካ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ዝግበር ጉዕዞ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ እተን ዝጥቀሙለን ጀላቡ’ውን ውሕስነት ዘይብለን፣ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ሰባት ዝጸዓና፣ ገንዘብ ምእካብ እምበር ተመኩሮ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ብዘይብሎም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ስለ ዝካየድ፣ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ወሲዱ እዩ።

ኤርትራውያን ከኣ ቀንዲ ግዳያት’ዚ ዘስካሕክሕ ሞትን መቕዘፍትን ይኾኑ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0