እስራኤል፣ ኣብ ትሽዓተ ዓመታት ን52 ስደተኛታት ጥራይ ዑቕባ ሂባ

እስራኤል፣ ኣብ ትሽዓተ ዓመታት ን52 ስደተኛታት ጥራይ ዑቕባ ሂባ

Radio Erena: 10 May 2018

shapira _refugees in israeእስራኤል፣ ኣብ ትሽዓተ ዓመታት ን52 ስደተኛታት ጥራይ ዑቕባ ከምዝሃበት ዮሴፍ ሻፒራ ንዝተባህለ በዓል ስልጣን ፊናንስ እታ ሃገር ብምውካስ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

ካብ 2009 ኣትሒዙ 55,433 ስደተኛታት ሕቶ ዑቕባ እኳ እንተቕረቡ፣ መንግስቲ እስራኤል ን52 ጥራይ ዑቕባ ብምሃብ ነቲ ካልእ ጉዳያት ኣዛሕቲልዎ ከምዘሎ እቲ በዓል ስልጣን ወቒሱ።

ካብዞም ኣብ እስራኤል ኣብዚ ትሽዓተ ዓመታት ዑቕባ ዝርኸቡ 52 ስደተኛታት እቶም 10 ጥራይ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ምዃኖም መግለጺ እቲ በዓል ስልጣን ብተወሳኺ የመልክት።

ኣብ እስራኤል፣ ልዕሊ 35 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ። እቶም ልዕሊ 22 ሽሕ ካብዚኣቶም ዜጋታት ኤርትራ’ዮም።

መንግስቲ እስራኤል፣ ነዞም ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ንምስጓጎም ዝወጠኖ መደባት ክዕወት ስለዘይክኣለ፣ ናብቲ ኣቐዲሙ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተሞ ስምምዕ ክምለስ ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት እቲ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ዝተሰረዘ ስምምዕ፣ ፍርቆም እቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ብመንገዲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ካናዳን ክጣየሱ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ እስራኤል ዑቕባን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ክወሃቦም ዝብል’ዩ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0