እስራኤል፣ ብቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ዝተኸሰሱ ክልተ እስራኤላውያን ናጻ ተባሂሎም

Radio Erena: 22 July 2020

ኣብ እስራኤል፣ ብቅትለት ሃብቶም ዝተባህለ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ተኸሲሶም ዝጸንሑ ክልተ እስራኤላውያን፣ ናጻ ተባሂሎም።

ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ነቶም ኣብ 2015፣ ኣብ ከተማ ባር ሸባ ኣብ ዝርከብ መዋፈሪ ኣውቶቡስ፣ ሽበራዊ መሲልዎም፣ ንኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ብግፍዒ ዝቐተልዎ ክልተ እስራኤላውያን፣ ብሰኑይ 20 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ መጋብኣያ’ዩ ብናጻ ኣፋንይዎም።

ኣቐዲሙ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ብቅትለት እቲ መንእሰያት ተኸሲሶም እኳ ኣንተነበሩ፣ እቶም ክልተ፣ ጌጋ ብምፍጻሞም ተኣሚኖም እቲ ሓደ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክእሰር እቲ ካልኣዩ ድማ ንኣስታት 3 ኣዋርሕ ኮማዊ ኣገልግሎታት ክህብ’ዮም ተፈሪዶም።

እቶም ዝተረፉ ክልተ ግና ብጌጋ ይኹን ብኣፍልጦ ገበን ከምዘይፈጸሙ ክከራኸሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ጉዳዮም ብናጻ ተዓጽዩ ኣሎ።

እቲ ሃብቶም ዝተባህለ ኣብ ክሊ ዕድመ መወዳእታ 20ታት ዝርከብ መንእሰይ፣ ብ18 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከተማ ባር ሸቫ፣ ኣብ መደበር ኣውቶቡስ ኣብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸሙ ክልተ ሰባት ሓደ ስለዝመሰሎም፣ ተኾሲሞም ድሕሪ ምቑሳሎም፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብመናብርን ካልእን ጨፍጪፎም ብዘውረድሉ ከቢድ ጉድኣት ናብ ሆስፒታል ምስ ተወስደ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ይዝከር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0