ግብጺ፣ ሰራዊታ ናብ ሊብያ ከተዋፍር’ያ

Radio Erena: 22 July 2020

ግብጺ፣ ሰራዊታ ናብ ሊብያ ከተዋፍር’ያ።

እታ ሃገር፣ ነቲ ብጀነራል ሓፍታር ዝምራሕ ሓይሊ ንምድጋፍ ሰራዊታ ናብ ምዕራባዊ ሊብያ ክትልእኽ ምዃና ዝግለጽ ዘሎ፣ ፓርላማ እታ ሃገር ደገፉ ድሕሪ ምሃቡ’ዩ።

እቲ ፓርላማ ደገፉ ቅድሚ ምሃቡ፣ ብፕረዚደንት ዝተምረሐ ኣኼባ ሃገራዊ ምኽሪ ምክልኻል፣ ኣብ ጉዳይ ሊብያን ኢትዮጵያን ዝምልከት ፍሉይ ዘተ ድሕሪ ኣካይዱ’ዩ።

ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ፣ ብቱርኪ ቀጠርን እናተደገፈ፣ ነቲ ብጀነራል ሓፍታር ዝምራሕ ሓይሊ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ከተማ ጣራብሎስ ከምዘርሓቆ ይዝከር።

ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግብጺን ሩስያን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ጀነራል ከሊፋ ሓፍታር፣ ሓይልታቱ ዳግም ብምውዳብ፣ ከተማ ጣራብሎስ ንምቑጽጻር ሓድሽ መጥቃዕቲ ከካይድ ከምዝኽእል ተንተንቲ ይእምቱ።

ብፍላይ ግብጺ፣ ሰራዊታ ከተዋፍር ምዃና ብወግዒ ድሕሪ ምግላጻ፣ ጉዳይ ሊብያ፣ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት፣ ክዕወት ከምዘይኮነ ዝእንፍት ምዃኑ እቶም ተንተንቲ የመልክቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0