እስራኤል፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ምጥራዝ መስርሕ ደው ከምዘየብሎ ቀ/ሚ ቤንያሚን ናታንያሁ ይገልጽ

እስራኤል፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ምጥራዝ መስርሕ ደው ከምዘየብሎ ቀ/ሚ ቤንያሚን ናታንያሁ ይገልጽ

Radio Erena: 05 September 2017

benjamin natanyahu

መንግስቲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሃገሩ ናይ ምጥራዝ መደብ ደው ከምዘየብሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቤንያሚን ናታንያሁ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ናብ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፣ ብሰንበት 3 መስከረም ንዝተኣከበ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብዛዕባ መጻኢ እቶም ኣብ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ተኣኪቦም ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ እተጻሪ ኮሚተ ሚኒስተራት ኣቝሙ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ናታንያሁ ኣብ መግለጺኡ፣ እታ ኮሚተ ምስ ወከልቲ ነበርቲ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ብምርኻብ፣ ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ ሰፊሮሞ ዘለዉ ከባቢታት ናብ ዋናታቱ ዝምለሰሉን፣ እቶም ሓተቲ ዑቕባ ድማ ዝጥረዝሉን መደባት ክትዘራረብ ምዃና ኣፍሊጡ።

 ብዘይካ’ዚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ዝተዋህበ፣ ናብ ሳልሰይ ሃገራት ብዘይድሌቶም ምኻድ ዝኣበዩ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ክልተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ከይእሰሩ ዝብል ውሳኔ ድሕሪ ምቅዋም፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣርየ ደሪንን ሚኒስተር ፍትሒ ኣይለት ሻከድን ንጽልዋታት እቲ ውሳኔ ከጽንዑ ምዃኖም ጠቒሱ።

ዛጊት ኣስታት 20 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ካልእ ሃገር ጠሪዙ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል፣ ንዶባቱ ብሓጹር ብምዕጻው ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ከምዝተዓወተ ብምዝኽኻር፣ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 38 ሽሕ ካብ እስራኤል ኣብ ምውጽኦም ክዕወት ምዃኑ’ዩ ዝጉስጉስ።

ውሑዳት ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ እንተዘይኮይኖም እቶም ዝበዝሑ፣ ስራሕ ደልዮም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት’ዮም ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፣ ነዚኣቶም ነናብ ዓዶም ንምጥራዝ ከኣ እስራኤል ከም ኩለን ሃገራት መሰል ኣለዋ ክብል’ዩ ዝማጎት።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0