እስራኤል፣ ሓደሽቲ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሖሎት ንምቕያድ፣ ንኣዋርሕ ዝተታሕዙ ትፈትሕ

እስራኤል፣ ሓደሽቲ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሖሎት ንምቕያድ፣ ንኣዋርሕ ዝተታሕዙ ትፈትሕ

Radio Erena: 07 January 2015

Holot Re

ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ሓተቲ ዑቕባ ዝቕየድሉ ክፉት ቤት ማእስርቲ ሖሎት፣ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ እሱራት ሒዙ ብምህላዉ፣ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ልዕሊ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተቐየዱ ክፈትሕ ምዃኑ ተገሊጹ።

ድሮም’ውን ሓያሎ ተፈቲሖም ከምዘለዉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ኣረጋጊጹ።

ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ ካብ ዝህነጽ ካልኣይ ዓመቱ ዘሕለፈ ክፉትር ቤት ማእሰርቲ ሖሎት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትር ዝርከብዎም ኣስታት 3360 ሓተቲ ዑቕባ ቀይዱ ይርከብ።

 

ሖሎት ካብዚ ብዝሒ’ዚ ንላዕሊ ኽቕይድ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ኣካያደቲ’ቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ጥርዓን ከምዘቕረቡ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ እስራኤል ንሖሎት ከስፍሖ ወይ ከኣ ካልእ ተመሳሳሊ ቤት ማእሰርቲ ክሃንጽ ከምዝክእል ግምታት ክወሃብ እኳ እንተጸንሐ፣ ትማሊ ብዝቐረበ ጸብጻብ ሃረጽ መሰረት ግና፣ እቲ መንግስቲ ንሓደሽቲ እሱራት ቦት መታን ክርከብ ነቶም ሎሊ ትሽዓት ወርሒ ዝተቀየዱ ክፈትሖም ወሲኑ ኣሎ።

እንተኾነ እዚ ውሳኔ’ዚ’ውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካልት እታ ሃገር ዘተን ክትዓትን ኣለዓዒሉ ስለዝርከብ፣ መጻኢ እቶም ኣብ ሖሎት ተታሒዞም ዝርከቡ ይኹን ብሕጂ ናብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ ክንጸር ኣይከኣለን።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ብእትኽተሎ ፖሊሲ፣ ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዘይርጉእ ህወይት ኣብ ምምራሕ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

============================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0